ራእይና
እታ ክንፈጥራ እንደሊ ዓለም፥
- ዲሞክራስያዊት፡ ኵሎም ሰባት፡ መልክዕ ናይ ሕብረተሰባቶምን ዘነባብርዎም ትካላትን ኣብ ምውሳን ተራ ንኽጻወቱ ዕድል እትህብ።
- **ስግረ-መግዛእታዊት፡**ኵሉም ህዝብታት ሓባራዊ መጻኢኦም ብሓርነት ዝውስኑላ።
- **ፍትሓዊት፡**ኣብ ሕብረተሰባትና ንዘሎ ዘይማዕርነትን፡ ኣሉታዊ ሓድግታት ሓባራዊ ታሪኽናን ዝኣረመት።
- **ማዕርነታዊት፡**ንጥቕሚ ብዙሓት እምበር ንረብሓ ውሑዳት ዘይተገልግል።
- ሓራ፡ ኵሎም መንነታት ማዕረ መሰል፡ ኣፍልጦንዘስተማቕሩላ፡
- **ምሕዝነታዊት፡**ቃልሲ ናይቲ ሓደ፡ ቃልሲ ዅሉ ዘዀነላ።
- **ዘላቒት፡**ፕላኔታዊ ዶባት እናኽበረት፡ኣብ ቅድመ-ግንባር (ወሰናስን)ንዘለው ማሕበረሰባት እትከላኸል።
- ስነ-ማሕድሮኣዊት (ኤኮሎጃዊት)፡ ደቂ ሰባት ምስ ባህርያዊ መሓድሮኦም ኣሳንያ እተንብር
- ሰለማዊት፡ ኣዕናዊ ኲናት ብህዝባዊዲፕሎማሲ ዝተከአት።
- ድሕረ-ርእሰማላዊት፡ ሕሉፍ ኣምልኾ (ባህሊ)ስራሕ ብምውጋድ ንዅሎም መልክዓት ዕዮ ግቡእ እትኽሕስ ።
- ብልጽግቲ፡ ድኽነት ዝቐረፈት፡ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ኣብ ዘርብሕ ናይ ኣኽል-ታርፍ መጻኢ እተውፍር።
- **ብዙሓዊት፡**ፍልልያት ከም መርኣያ ጥንካረ ተራእዩ ዝጽንበለላ።
ናይ ኣባላት መዝገብ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቒ/ቕ
ንምርካብና
ዝዀነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስ ዝህልወኩም ኣብ ናይ ኢመይል ኣድራሻና[email protected]ክትጽሕፉልና ትኽእሉ። ኣባላትና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምሳኹም ክጸሓሓፉ እዮም።
